Temesghen Yared - Sga Swuat - Eritrean Music 2021 (Official Lyrics Video)

199,453

Subscribe -› https://bit.ly/2OEK47Q New Eritrean Tigrigna Music 2021 by reason of 20 June, Eritrean National Martyrs Day. ሰብ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ዘወፍዮ ኩሉ ዓይነት ኣበርክቶ ክቡር እዩ። ብህይወት ብዘይምህላው ዝኽፈል መስዋእቲ ግና ኣዝዩ ዝኸበረን ዝዓዘዘን እዩ። ሰማእታትና፡ ብኽብን ለጠቕን ሃለዋትና ዘይቅየር ሓበን እዮም ኣጐናጺፎምና። ከምቲ ብፍቕሪ ዝወደቑልና፡ ከይተሓለልና ብፍቕሪ ሓደራኦም ከነልዕል ይግባእ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና እብል። ስጋ ስዉኣት መሲሉኒ ሓልዮት ቆጺረ ያኢ ኽኢለዮ ኢለ ሰቲረ መቓብርኩም ከየንቀጥቅጥ ቅሰኑለይ ኢለ ዘሚረ፡ ብደም ኣዕጽምትኹም ዘምጻእኩማ ዓዲ መካነ-ዓመጽ ኮይና መካነ-ቔናን ፍርዲ መርበብ ሰሪሖምላ መርበብ ተበለጽቲ እንቋዕ ኣይትሪኡ ሃለዋት ናብራና ናጽነት ትኣክል ሓቚፍና ቖሪርና ዘይፍጸም መብጽዓ እናበልዐት ሓደራ ጭርሖ ድራራ ኮይና'ላ ኤርትራ ኤርትራ! ኤርትራ! ኤርትራ! ብስጋ ስዋኣት እናተማሕለ ደቖስዎ ሕድሪ ዘዘልዓለ ሕገይ ድገይ መሰለይ ዝበለ ተሓፊሱ ኣብ ማእሰርቲ እናሃለ ኣርሚምዋ ፍትሒ ኣፋ ሒዛ ተዀርምያ'ላ ውሒጣቶ ቓንዛ ኣካሉ ኸፊሉ ጅግና ተደርበየ ናብ ዓረብያ 'ታ ዋዕሮ ኣንበሳ፡ "እህህ!" እንካ በለት፡ ስረ ዘዕጠቐቶ መን ከማይ ምስ በላ። ደረት ምስ ተሳእኖ መግዛእቲ ብደዐ ዓዲ ኣርሒቑ ወለዶ እናነብዐ እኽሊ ኣይወደቖን እቲ ዓውዲ ተሓቢኑ ኣይጸገበን ወላዲ 'ዛ ህያብኩም ሕብንቲ ኤርትራ ጋን ኮይንዋ'ሎ ርእሳ ...